ምህርቲ ዋዕላ

موارد الملتقى الوطنية

Who's Online

We have 40 guests online
Home
Welcome to the Eritrean National Congress for Democratic Change
ጸብጻብ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ደንቨር፣ ኣሜሪካ PDF Print E-mail
Written by ሽማግለ ህዝቢ - ዴንቨር ኮሎራዶ   
Thursday, 02 December 2010 22:12

ድሕሪ’ቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 31-ነሓሰ 9, 2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘሰከሞ ሓላፍነት መሰረት ሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞክራስያዊ ዋዕላ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ህዝባዊ ኣኼባታት ከካይድን ህዝባዊ ሽማግለታት ከቕውምን ጸኒሑን ኣሎን። ከም ኩለን ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ከተማና ደንቨር ኮሎራዶ ብዕለት 28 ሕዳር 2010 ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ብኣቦ-መንበር ሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ጨንፈር ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይ ተኻይዱ። እዚ ብሃገራውያን ብጾት ኣባላት ውድባትን ስቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ዜጋታትን ዝተዳለወ ብብዝሒ መንእሰያት ዝተኻፈልዎ ህዝባዊ ኣኼባ ኢዩ ኔሩ።

Last Updated on Thursday, 02 December 2010 22:41
Read more...
 
ኣብ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና ኣኼባ ተኻይዱ ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ ከኣ ተመሪጻ PDF Print E-mail
Written by ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ ኢንድያናፖሊስ፡ ኢንድያና   
Thursday, 02 December 2010 21:57

ከተማ ኢንድያናፖሊስ ሓንቲ ካብተን ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላን ዝመጽእ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤን ኣኼባታት ዝተኻየደለን ከተማታት ናይ ኣሜሪካ ኢያ። እዚ ቀዳም 27 ጥቅምቲ 2010 ዝተገበረ ኣኼባ’ዚ፡ ኮምሽነር ኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይ ኣብ መንጎና ተረኺቡ: እቲ ካብ 31 ሓምለ-9 ነሓሰ 2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላን ብውጽኢቱ ዝተመርጸት ኮሚሽንን ከኣ ንምንታይ ነጻ ኮይና ከምዝቖመትን፡ እንታይ ዕማማት ከኣ ከተተግብር ምዃናን ብዘርኢ ጉዳይ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ።

Read more...
 
ህዝቢ ቦስቶንን ከባብን 15 ዝኣባላታ ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ መሪጻም PDF Print E-mail
Written by ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን - ሰ/ኣሜሪካ   
Thursday, 02 December 2010 16:21

ዝሓለፈ ቀዳም ሕዳር 20 ጥቅምቲ 2010 ኣባላት ኮሚሽን ንሃገራዊ ዋዕላ ንህዝቢ ቦስቶንን ከባብን ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶም። ሎሚ ምሸት ብርክት ዝበለ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮን መንእሰያትን ብምርኣይና ዝተሰማዓና ፍናን ከይገለጽናዮ ኣኼባና ክንከፍት ደስ ኣይብለናን ዝበሉ ኣባላት ኮሚሽን ሓው ተኽላይ ኣብራሃን ሓው ዳንኤል ተወልደን ነቲ መጠነ - ሰፊሕ ኣኼበኛ ታሪኽ ኣመጻጽኣ ዋዕላን ብድሆታቱን ብሓደ ሸነኽ፣ ዋዕላ ዝዘተየሎም ኣርእስትታትን ዘመዝገቦ ታሪኻዊ ዓወትን ድማ ብኻልእ ወገን ኣብሪሆም።

Last Updated on Thursday, 02 December 2010 16:45
Read more...
 
ዕውት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ PDF Print E-mail
Written by ሽህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ - ከተማ ኒው-ዮርክ   
Thursday, 02 December 2010 20:08

ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ ቀዳም 14 ሕዳር 2010 ዋዕላን መጻኢ ሃገራዊ ጉባኤን ብዘርኢ ጉዳያት ህዝባዊ ኣኼባ ተካይዱ። ኣባላት ኮሚሽን ኣሕዋት ተኽላይ ኣብራሃን ዳንኤል ተወልደን ነቲ ኣብ ኒው-ዮርክን ከባብን ዝርከብ ህዝብና ኣገዳሲ ኣኼባ ኣካይዶም። ዛዕባ ናይ’ቲ ኣኼባ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ ውጽኢቱን ዕማማት ኮሚሽንን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።

Read more...
 
ኤርትራውያን አብ ከተማ ፍራንክፎርት ብጕዳይ ሃገራዊ ጕባኤ ተዛትዮም PDF Print E-mail
Written by ሃገራዊ ኮምሽን - ጀርመን   
Sunday, 28 November 2010 19:12

ቊርን ማይን ሰንጢቖም ብጕዳይ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝበሃሎም ከዳምጹን አብ ልቦም ዘሎ ሓሳባት ከካፍሉን ካብ ፍራንክፎርትን ክሳዕ 50 ከ.ሜትር ካብ ዘሎ ከባብን ዝተጓዕዙ ደቂ ሃገር ንኣደራሽ ኣኼባ መሊኦሞ ነበሩ። ነዚ ዋሕዚ ህዝቢ ብዓይኒ ጽሞና ንዘስተብሃለ ከአ ኵነታት ዋሕዚ ህዝቢ ናብ ሰውራኡ (1975) የዘኻኽሮ‘ዩ። ሓደ ፍልልይ ግና ክኽወለካ አይክእልን። ናይ 1975 ብዕድመ መንእሰያት ብቅጽበት ከአ ልሉያት ክዀኑ ከለዉ ናይ ሎሚ ግና ዕድመ ዝጸገቡ ጥንቃቐ ከአ ዘመዝገቡ ነይሮም። ናይ 1975 ወለዶ ሂብካ ዝተርፍ ግዜ ነይርዎም ክበሃል ይከአል፤ ናይ ሎሚ ናይ ፍራንክፎርት ኣኼበኛታት ግና ብመንጽር ዕድመ ይኹን ብመንጽር ዝትግበር ዕማም ዝካፈል ግዜ የብሎምን። ዕድላት ንጠቐመሎም አይንጠቐመሎም ግዜኦም ሓልዮም አብ ዓዓሰርተ ዓመታት ወይ አብ ዕስራ ይኽሰቱልና ኢዮም። ብ1975 ጦር-መግዛእቲ ስዒርና ኤርትራ ክንሕርር ይከአል ነይሩ። ብ1977 ከምኡ ከተማታት ሓራ ምውጻእ ቀጺልና ንኣስመራ ክእቶ ይከአል ነይሩ። ብ1991 ስምረት ጨቢጥናን ሓቢርናን ናጻ ህዝቢ ክንከውን ይከአል ነይሩ። እዚ ኵሉ ግና ናተይ ውዑይ ክንብል ነቶም ዕድላት አይተጠቐምናሎምን። ናይ ሎሚ ኣቐራርባና ነዚታት ዝተማህረሉ ይመስል።

Last Updated on Thursday, 02 December 2010 17:05
Read more...
 
« StartPrev12345678NextEnd »

Page 2 of 8

Latest News

Popular


Powered by Joomla!.
Warning: call_user_func(tdo) [function.call-user-func]: First argument is expected to be a valid callback in /home2/babey/public_html/templates/themza_j15_41/html/pagination.php on line 153
Valid XHTML and CSS.