ምህርቲ ዋዕላ

موارد الملتقى الوطنية

Who's Online

We have 72 guests online
Home
Welcome to the Eritrean National Congress for Democratic Change
ህዝባዊ ኣኼባ አብ ከተማ ኑርንበርግ/ጀርመን PDF Print E-mail
Written by ሃገራዊ ኮምሽን - ጀርመን   
Monday, 22 November 2010 11:40

እንተዚከኣል አብ ሃገርና (ኤርትራ) ክንጋባእ ምደሌና፤ ንዲሞክራስያዊ ኣሰራርሐ መን ዕንቅፋት ከአ ዳግም ምንጋር ዘየድልዮ ብሩህ ነገር እመስለና፡፡ ካብኡ ወጻኢ ድሩት ምርጫታት ዘሎና፡፡ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ኤርትራዊ ስደተኛታት ካብ መደበራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ወይ ሰራሕተኛታት ካብ ሃገራት ዓረብ ወዘተ. ዚቕበላ አይኰናን፡፡ ህዝብና ብሰንኪ እዚታት ክመጸና እንተዜይክኢሉ እቶም ናይ ቪዛ ይኹን ናይ ምንቅስቓስ ጸገም ዘይብልና ካብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ኣውስትራልያን ወዘተ... ናብኦም ማለት ናብ ኢትዮጵያ/ሱዳን ተሳፊርና ክንከዶም ነይሩና፡፡ ከምቲ ምስላ ጀርመን ዚብሎእቲ ጎቦ ክመጸካ እንተዘይክኢሉ፣ ንስኻ ነቲ ጎቦ ትኸዶኢዩ፡፡ካብኡ ናብኡ ድማ ጸጥታ ተጋባኢ ህዝቢ ስለ ዘገደሰና ንርዱእ ምኽንያታት ኢትዮጵያ መሪጽና፡፡

Last Updated on Monday, 22 November 2010 13:13
Read more...
 
ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማኦታዋ - ካናዳ፣ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ ድማ ቆይማ PDF Print E-mail
Written by ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ - ኦታዋ   
Monday, 22 November 2010 10:37

ከምቲ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝካየድ ዘሎ መደባት ህዝባዊ ኣኼባታት ብኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ፣ ኣብ ኦታዋ ዋና ከተማ ካናዳ ብዕለት 6 ሕዳር 2010 ዓ.ም፣ ዕዉት ኣኼባ ብኣባል ኮምሽን ኣቶ ክብሮም ደብሩ ተኻይዱ። ኣቶ ተስፋይ ክፍለ ነቲ ኣኼባ ብምምራሕ ብቐዳምነት ብዝኽሪ ሰማእታት ድሕሪ ምኽፋት፣ ንኣቶ ክብሮም ምስ ኣኸበኛታት ኣላልዩ። ከጺሉ መድረኽ ንሓው ክብሮም ብምሃብ ኣኼባ ተጀሚሩ።

Last Updated on Monday, 22 November 2010 10:54
Read more...
 
دعوة من المفوضية الإرترية الوطنية للتغيير الديمقراطي PDF Print E-mail
Written by المفوضية الإرترية الوطنية للتغيير الديمقراطي   
Sunday, 21 November 2010 21:29

الجدير بالذكر أن المفوضية الإرترية الوطنية للتغيير الديمقراطي قد باشرت عملها منذ أشهر قلائل لإيصال الأمانة التي حملها لها ملتقى الحوار الوطني إلى مبتغاها. ومن بين مهامها الآنية لها تعريف شعبنا وكل قوى التغيير الديمقراطي بنتائج الملتقى وأهداف المفوضية. وكذلك شحذ الهمم لإنجاح المؤتمر الوطني، ودعوة كل من لديه الرغبة في التغيير إلى لعب دوره المسئول للوقوف إلى جانب المفوضية من أجل إسقاط النظام والتعجيل بإحداث تغيير ديمقراطي نوعي في بلادنا.

Read more...
 
ኣዋጅ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ PDF Print E-mail
Written by ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ   
Sunday, 21 November 2010 22:03

ሎሚ፣ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ትሕቲ መላኺ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ተረጊጹ፣ ኩሉ ዓይነት ጭቆናን ጸቕጥን ማለት ብሄራዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ባህላውን፣ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ መዘና ብዘይብሉ ኩሉ መዳያዊ ሰብኣውን ደሞክራሲያውን መሰላቱ ተገፊፉን ተጣሒሱን ይርከብ። ሃገርና ኣብ ደረጃ ፍጹም ምንቁልቋል ምብትታንን ፣ ከም ሳዕቤን ድማ ናይ ምብታን ሓደጋ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕብረተሰብና ዘንጸለላወሉ፣ ዜጋታትና ኣብ ማእሰርትን ማሕዩርን ቅትለትን ዝሳቐዩሉ፣ ኣማኢት መዓስከራት ተኸፊቱ ህዝብና ብኣልማማ ኣብ ኣብያተ ማኣሰርቲ ኣብ ዘለዉሉ፣ መራሕቲ ሃይማኖታትና ከይተረፉ ግዳያት ዝኾኑሉ ህሞት ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። ብሰንኪ እዚ ዘሎ ኩነታት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ግዳያት ናይቲ ስርዓት ኮይኖም ኣለዉ። ኣብ ኣህጉራውን ዓለም ለኻዊን ደረጃ፣ እዛ ሃገር እዚኣ ሓንቲ ካብተን ኲናት ኣብ ዘይብሉ ግዜ ዝለዓለ ቁጽሪ ስደተኛትት እተፍልፍል ምዃና ተረጋጊጹ ኣሎ። ብፍላይ መንእሰያት ብብዝሒ ንስደት ኣብ ዘምርሑሉን፣ ኣብ ፈቐዶ ሰሃራን ባሕርን ዝጠፍኡሉን፣ እቲ ስርዓት ዘካይዶ ዘሎ ግዱድ ሰፈራታት ዘስዓቦ ደሞግራፊያዊ ምልውዋጥን፣ ዝፈጥሮ ዘሎ ህዝባዊ ምምዝባላትን ኣብ ዘለወሉ እዋን ኢዩ እዚ ዋዕላ ተጋቢኡ። ልዕሊ 330 ዝተሳተፉሉ ዋዕላ ብኸምዚ ዝስዕብ ኔሩ። 10 ውድባት ኪዳን፤ ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘለዋ ፖለቲካውን ብሄራውን ውድባት፤ ወከልቲ ሲቪክ ማሕበራት ካብ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ጁቡቲ፣ ማኣከላይ ምብራቕ፣ ኣውሮጳ፣ ኣሜሪካ፣ ካናዳን፣ ኣውስትራልያ፣ ኒው ዚላንድን ዝመጹን፣ መራሕቲ ሃይማኖት፤ ወከልቲ ደቂ ኣንስትዮ፤ ወከልቲ መንእሰያት፤ ወከልቲ ስደተኛታት፤ ወከልቲ ገዳይም ተጋደልቲ፤ ወከልቲ ናይ ኤርትራውያን ናይ ዜና ማዕከናት፤ ምሁራትን ነጻ ዜጋታትን፤ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ተረኺቦም።

Last Updated on Sunday, 21 November 2010 22:24
Read more...
 
መጸዋዕታ - ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ PDF Print E-mail
Written by ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ   
Sunday, 21 November 2010 21:07

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዋዕላ ዝተቐበሎ ረዚን ህዝባዊ ሓደራ ናብ ሽቶኡ ንምብጻሕ፡ ዕዮታቱ ብዕቱብ ምስልሳል ካብ ዝጅምር ድሮ ውሑድ ኣዋርሕ ኣቁጺሩ ምህላዉ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ገለ ካብቲ እዋናዊ ዕዮታቱ ከኣ ንህዝብና ከምኡውን ንኹሎም ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ውጽኢት ዕውት ሃገራዊ ዋዕላ ንምግላጽን ምብራህንዩ። ኣብ ልዕሊ ከኣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዋዕላ ዝተሰከሞ መዝነትን ዝሓዞም ዕማማትን ብንጹር ንምጭባጥዩ። ከምኡውን ሃገራዊ ጉባኤ ናብቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ሽቶኡ ንምብጻሕን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ፡ ኣብ ሃገርና ዓይነታዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍን ነፍሲ ወከፍ ደላይ ለውጢ ዜጋ ኣብ ጎኒ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ልሉይ ሓላፍነታዊ እጃሙ ንምብርካትን ምጽዋትን ምዃኑ ኣይዝንጋዕን።

Read more...
 
« StartPrev12345678NextEnd »

Page 3 of 8

Latest News

Popular


Powered by Joomla!.
Warning: call_user_func(tdo) [function.call-user-func]: First argument is expected to be a valid callback in /home2/babey/public_html/templates/themza_j15_41/html/pagination.php on line 153
Valid XHTML and CSS.