ምህርቲ ዋዕላ

موارد الملتقى الوطنية

Home ትግርኛ
መጸዋዕታ - ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ PDF Print E-mail
Written by ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ   
Sunday, 21 November 2010 21:07

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዋዕላ ዝተቐበሎ ረዚን ህዝባዊ ሓደራ ናብ ሽቶኡ ንምብጻሕ፡ ዕዮታቱ ብዕቱብ ምስልሳል ካብ ዝጅምር ድሮ ውሑድ ኣዋርሕ ኣቁጺሩ ምህላዉ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ገለ ካብቲ እዋናዊ ዕዮታቱ ከኣ ንህዝብና ከምኡውን ንኹሎም ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ውጽኢት ዕውት ሃገራዊ ዋዕላ ንምግላጽን ምብራህንዩ። ኣብ ልዕሊ ከኣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዋዕላ ዝተሰከሞ መዝነትን ዝሓዞም ዕማማትን ብንጹር ንምጭባጥዩ። ከምኡውን ሃገራዊ ጉባኤ ናብቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ሽቶኡ ንምብጻሕን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ፡ ኣብ ሃገርና ዓይነታዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍን ነፍሲ ወከፍ ደላይ ለውጢ ዜጋ ኣብ ጎኒ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ልሉይ ሓላፍነታዊ እጃሙ ንምብርካትን ምጽዋትን ምዃኑ ኣይዝንጋዕን።

Read more...
 
ኣብ ስያትል ዋሽንግተን “ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ” ተመሪጻ ኮምሽነራት ከኣ ናይ ብዙሓት ሕቶታት መልሲ ሂቦም PDF Print E-mail
Written by ENCDC - North America   
Sunday, 21 November 2010 18:18

ኣብ ከተማ ስያትል ቀዳም 13 ሕዳር 2010 ዋዕላን መጻኢ ሃገራዊ ጉባኤን ብዘርኢ ጉዳያት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ። እቲ መጀመርያ ክፋል ናይ’ቲ ኣኼባ ብተሳተፍቲ ዋዕላ ካብ ስያትል ዝኾኑ ኣቶ ሃይለስላሴን ኪዳነን፡ ኣቶ ፍስሃየ ሓጎስን (ቀሺ) ተመኩሮኦም ኣብቲ ኮንፈረንስ ከመይ ከምዝነበረ ኣብሪሆም። ቅድሚ ዋዕላ ንዝነበረ ሃዋህውን ብድሆን ሕጽረታትን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተገብረልና እንግዶትን ምትሕብባርን ፡ ዋዕላ ምስ ተጀመረ ተሳተፍቲ ዋዕላ ዘርኣይዎ ታሪኻዊ ሃገራዊ ሓላፍነትን ናይ ምጽውዋርን እንካን ሃባን ክትዕን ናይ ምክብባርን መንፈስን ብፍላይ ከኣ ካብ መደበር ስደትኛታት ዝመጹ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝሃብዎ ምሕጽንታን ኣውያትን ህዝብን ከምኡውን ዓበይቲ ኣቦታትና ዝሃብዎ ማዕዳን ለበዋን ካብቲ ነቲ ዋዕላ ክዕወት ዝሓገዝዎ ረቛሒታት ምዃኖም ንኣኼበኛ ኣብሪሆም።

Last Updated on Sunday, 21 November 2010 18:48
Read more...
 
ኣኼባ ህዝቢ አብ ከተማ ካስል PDF Print E-mail
Written by ENCDC - Europe   
Tuesday, 16 November 2010 12:54

ትማሊ ቀዳም 13 ጥቅምቲ 2010 ኣቶ ተክልሰንበት ተኽላይን ወ/ሮ ፍረወይኒ ገ/ጻድቕን ዝመርሕዎ ዉዕውዕ ህዝባዊ ኣኼባ አብ ከተማ ካስል ተሰላሲሉ፡፡ አብዚ መጠነ ሰፊሕ ኣኼባ ውጽኢት ዕዉት ሃገራዊ ዋዕላ፣ መደባት ሃገራዊ ኮምሽን፣ ብግዚያውነት አብ ሃገራዊ ጕባኤ ክዕወት ዝሕሰብ ሓጋጊ ባይቶ ኤርትራን ንዕኡ ዘድሊ ቅዋምን ወዘተ... መብርሂ ተዋሂቡ፡፡

Last Updated on Tuesday, 16 November 2010 14:50
Read more...
 
ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሳንበርዳንዲኖን ከባቢኣን PDF Print E-mail
Written by ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ ሳንበርናርዲ (ኢንላንድ ኢምፓየር)   
Sunday, 14 November 2010 23:36

እቲ ክንዛሕ ዝጸንሐ ጉዳይ ብሄራውን ሃይማኖታውን ሕቶታት፡ መሰረት ዘይብሉ ናይ ፈጠራ ወረ ምንባሩን ኣነጺሩ፡ ብኣንጻሩ እኳደኣ ኤርትራውያን ሓድነቶም ዝያዳ ዘደልደለሉን መጻኢ ዕድል ሃገርን ህዝብን ዘውሓሰ ታሪኻዊ እምነ መሰረት ዘንበረ ምንባሩ ኣዘኻኺሩ።

Read more...
 
ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ኮሚሽን ምስ መንእሰያት ኣብ ከተማ ሊድስ PDF Print E-mail
Written by በረኸት ካሕሳይ   
Saturday, 06 November 2010 21:32

ብመጀመርታ ሓው ዓንደብርሃን ብዛዕባ ኣገዳስነት ጉዳይሰፊሕ ሃገራዊ ንዘተን ንደሞክራስያዊ ለውጢን” ምክያዱን ዕላምኡን ብዝምልከት መብርሂ ብዝርዝር ሂቡ። ብተወሳኺ ድማ እቲ ዋዕላ ቅድሚ ምክያዱ ኣትሒዙ ይኹን ዋላ ‘ውን እናተኻየደ ከሎ ዝነበሩን ዝተኸስቱን ወይ ዝተራእዩን ምዕባሌታት ገሊጹ። 

ቀጺሉ መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን፣ “ቅድሚ ዋዕላ ዋላ እኳ ነቲ ዋዕላ ንምዕንቃፍ ብዙሕ ኣሉታዊ ዘመተታትን ጎስጓሳትን እንተተኻየዱ፣ እቲ ዋዕላ ግን ነዚ ፈተነታት በዲሁን ሰጊሩን ውጽኢታዊ ኮይኑ ብዓወት ተኻይዱ” ድሕሪ ምባል “እቶም ኣብ ዋዕላ ዝተሳተፍና ሰባት ብሓፈሻ ንዝተራእየ ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓን ግሉጽነትን ምስክር ኢና” ኢሉ። ኣስዒቡ ገለ ካብ ብዙሕ ዓወታት እቲ ዋዕላ ቀንዲ እቲ ኩሉ ተሳታፊ ብማዕረ እጃሙ ዘበርከተሉ ሃዋህው ብምፍጣሩን፣ እቲ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ “ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ፣ ንህዝቢ ዘማእከለ” ብምንባሩን ረባሕታዊ (ናይ ቃላት) ለውጢ (paradigm shift) ከም ዘርኣየ ሓቢሩ። ንሱ ብፍላይ ብደቂ-ኣንስትዮን መንእሰያትን ነቲ ዋዕላ ንምዕዋት ኣብ ቦታ ዋዕላ ንዝተኻየዱ ንጥፈታትን ተበግሶታትን ድሕሪ ምጥቃሱ፣ ንተራ መንእሰያት ኣሞጊሱ።

Last Updated on Saturday, 06 November 2010 22:59
Read more...
 
« StartPrev12NextEnd »

Page 2 of 2


Powered by Joomla!.
Warning: call_user_func(tdo) [function.call-user-func]: First argument is expected to be a valid callback in /home2/babey/public_html/templates/themza_j15_41/html/pagination.php on line 153
Valid XHTML and CSS.