ምህርቲ ዋዕላ

موارد الملتقى الوطنية

Home ትግርኛ ጻውዒት መጸዋዕታ - ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ
መጸዋዕታ - ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ PDF Print E-mail
Written by ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ   
Sunday, 21 November 2010 21:07

መጸዋዕታ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዋዕላ ዝተቐበሎ ረዚን ህዝባዊ ሓደራ ናብ ሽቶኡ ንምብጻሕ፡ ዕዮታቱ ብዕቱብ ምስልሳል ካብ ዝጅምር ድሮ ውሑድ ኣዋርሕ ኣቁጺሩ ምህላዉ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ገለ ካብቲ እዋናዊ ዕዮታቱ ከኣ ንህዝብና ከምኡውን ንኹሎም ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ውጽኢት ዕውት ሃገራዊ ዋዕላ ንምግላጽን ምብራህንዩ። ኣብ ልዕሊ ከኣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዋዕላ ዝተሰከሞ መዝነትን ዝሓዞም ዕማማትን ብንጹር ንምጭባጥዩ። ከምኡውን ሃገራዊ ጉባኤ ናብቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ሽቶኡ ንምብጻሕን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ፡ ኣብ ሃገርና ዓይነታዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍን ነፍሲ ወከፍ ደላይ ለውጢ ዜጋ ኣብ ጎኒ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ልሉይ ሓላፍነታዊ እጃሙ ንምብርካትን ምጽዋትን ምዃኑ ኣይዝንጋዕን።

 

ነዚ መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኩርንዓት ዓለም ብሓልዮትን ምትሕግጋዝን ዝተፈላለዩ ኣካላት /ሰብና ክፍልታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ብጣዕሚ ክተባባዕ ዝግብኦ ዕውትን ውዕዉዕን ህዝባዊ ኣኼባታት የካይዱ ምህላዎም ዘይሰሓትዩ። ህዝብና ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ ኣብ ሃገርና ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ ዘለዎ ክቱር ባህግታት ኣብዚ ዕውት ኣኼባታት ብግብራዊ ተሳትፍኡን ሓላፍነታዊ ልዝባቱን የንጸባርቕ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዞባታቱ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ዝተሓጋገዙ ብህዝቢ እምነት ዝተነበረሎም ህዝባዊ ሽማግለታት ይመዝዝ ምህላዉ ዘይኸሓድዩ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ እዚ ሰናይ ተበግሶታት ቀጻልነቱ ክርኢ ዘለዎ ጽኑዕ እምነት እናገለጸ፡ በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ነቲ ካብ ህዝብና ዝግበረሉ ዘሎ ሞራላዊ ምትሕግጋዝን ምትብባዕን ዕዙዝ ምስጋንኡ የቕርብ።

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ እዚ ሞራላዊ ምትሕግጋዝን ምትብባዕን ወትሩ ኣብ ንቡር ታሪኻዊ ቦትኡ ህያዉ ምዃኑ የረጋግጽ። ካብዚ ዝዘለለ ግን ውጽኢቱ ናብ ዝተጨበጠ ሃገራዊ ጉባኤ ንምብጻሕን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ፡ ኣብ ሃገርና ዓይነታዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍን ከቢድ ዋጋን ጻዕርታትን ዝሓትት ጉዳይ ምዃኑ ይሕብር። ነዚ ክቡር ሃገራዊ ራእይ ብክንድ ትጽቢት ዝግበረሉ ውጽኢቱ ናብ ዝተጨበጠ ሽቶኡ ንምብጻሕ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዜጋታትን ኹሎም ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጥን መንፈስ ስኒት፡ ምትሕቁቓፍ፡ ምጽውዋርን ምክብባርን ብምዕሳል፡ ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽንን ተሓጋገዝቲ ሽማግለታቱን ልባዊ ዝኾነ ምትሕግጋዝ ክግበር ይሓትት።

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዕማማቱ ብግቡእ ንምፍጻም ሞራላዊ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኩሉ እንተናዊ ደገፋት ህዝብና ዘድልዮ ምዃኑ ዘተሓታትት ጉዳይ ኣይኮነን። እዚ ሓባራዊ ሃገራዊ ዕማም ብዘይተሳትፎ ኩሉ እንተናዊ ዜጋታትና ክዕወት ፍጹም ዘይሕሰብዩ። ስለዚ ህዝብና ከምኡውን ኹሎም ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋትን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ፡ ኣብ ሃገርና ፍትሓውን ቅዋማውን ስርዓት ንምህናጽን ዘይሕለል ድልውነትን ተወፋይነትን ከርእዩ ይጥለቡ። ብቀጻሊ ኣውንታውን ሃናጽን ሓሳባቶም ክልግሱ፡ ካብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዝወርዱ ጽማቕ ንድፍታት ዓሚቕ ክትዓት ከካይዱ ይሕተቱ። ኣብ ልዕሊ ከኣ ብሞራል ከተባብዑን ብክንድ ዓቕምታቶም ዘፍቕዶ ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዛት ከበርክቱን ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ በዚ ኣጋጣሚ ብክብሪ መጸዋዕትኡ የቕርብ።

 

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

25 ሕዳር 2010

         This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

 


Powered by Joomla!.
Warning: call_user_func(tdo) [function.call-user-func]: First argument is expected to be a valid callback in /home2/babey/public_html/templates/themza_j15_41/html/pagination.php on line 153
Valid XHTML and CSS.