ምህርቲ ዋዕላ

موارد الملتقى الوطنية

ኣኼባ ህዝቢ አብ ከተማ ካስል PDF Print E-mail
Written by ENCDC - Europe   
Tuesday, 16 November 2010 12:54

ትማሊ ቀዳም 13 ጥቅምቲ 2010 ኣቶ ተክልሰንበት ተኽላይን ወ/ሮ ፍረወይኒ ገ/ጻድቕን ዝመርሕዎ ዉዕውዕ ህዝባዊ ኣኼባ አብ ከተማ ካስል ተሰላሲሉ፡፡ አብዚ መጠነ ሰፊሕ ኣኼባ ውጽኢት ዕዉት ሃገራዊ ዋዕላ፣ መደባት ሃገራዊ ኮምሽን፣ ብግዚያውነት አብ ሃገራዊ ጕባኤ ክዕወት ዝሕሰብ ሓጋጊ ባይቶ ኤርትራን ንዕኡ ዘድሊ ቅዋምን ወዘተ... መብርሂ ተዋሂቡ፡፡

Last Updated on Tuesday, 16 November 2010 14:50
Read more...
 
ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሳንበርዳንዲኖን ከባቢኣን PDF Print E-mail
Written by ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ ሳንበርናርዲ (ኢንላንድ ኢምፓየር)   
Sunday, 14 November 2010 23:36

እቲ ክንዛሕ ዝጸንሐ ጉዳይ ብሄራውን ሃይማኖታውን ሕቶታት፡ መሰረት ዘይብሉ ናይ ፈጠራ ወረ ምንባሩን ኣነጺሩ፡ ብኣንጻሩ እኳደኣ ኤርትራውያን ሓድነቶም ዝያዳ ዘደልደለሉን መጻኢ ዕድል ሃገርን ህዝብን ዘውሓሰ ታሪኻዊ እምነ መሰረት ዘንበረ ምንባሩ ኣዘኻኺሩ።

Read more...
 
ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ኮሚሽን ምስ መንእሰያት ኣብ ከተማ ሊድስ PDF Print E-mail
Written by በረኸት ካሕሳይ   
Saturday, 06 November 2010 21:32

ብመጀመርታ ሓው ዓንደብርሃን ብዛዕባ ኣገዳስነት ጉዳይሰፊሕ ሃገራዊ ንዘተን ንደሞክራስያዊ ለውጢን” ምክያዱን ዕላምኡን ብዝምልከት መብርሂ ብዝርዝር ሂቡ። ብተወሳኺ ድማ እቲ ዋዕላ ቅድሚ ምክያዱ ኣትሒዙ ይኹን ዋላ ‘ውን እናተኻየደ ከሎ ዝነበሩን ዝተኸስቱን ወይ ዝተራእዩን ምዕባሌታት ገሊጹ። 

ቀጺሉ መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን፣ “ቅድሚ ዋዕላ ዋላ እኳ ነቲ ዋዕላ ንምዕንቃፍ ብዙሕ ኣሉታዊ ዘመተታትን ጎስጓሳትን እንተተኻየዱ፣ እቲ ዋዕላ ግን ነዚ ፈተነታት በዲሁን ሰጊሩን ውጽኢታዊ ኮይኑ ብዓወት ተኻይዱ” ድሕሪ ምባል “እቶም ኣብ ዋዕላ ዝተሳተፍና ሰባት ብሓፈሻ ንዝተራእየ ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓን ግሉጽነትን ምስክር ኢና” ኢሉ። ኣስዒቡ ገለ ካብ ብዙሕ ዓወታት እቲ ዋዕላ ቀንዲ እቲ ኩሉ ተሳታፊ ብማዕረ እጃሙ ዘበርከተሉ ሃዋህው ብምፍጣሩን፣ እቲ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ “ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ፣ ንህዝቢ ዘማእከለ” ብምንባሩን ረባሕታዊ (ናይ ቃላት) ለውጢ (paradigm shift) ከም ዘርኣየ ሓቢሩ። ንሱ ብፍላይ ብደቂ-ኣንስትዮን መንእሰያትን ነቲ ዋዕላ ንምዕዋት ኣብ ቦታ ዋዕላ ንዝተኻየዱ ንጥፈታትን ተበግሶታትን ድሕሪ ምጥቃሱ፣ ንተራ መንእሰያት ኣሞጊሱ።

Last Updated on Saturday, 06 November 2010 22:59
Read more...
 
“ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ” ሎስ ኣንጀለስን ከባቢኣን ናይ ስራሕ ምክፍፋልን መደብ-ስራሕን ኣውጺኡ PDF Print E-mail
Written by ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ   
Tuesday, 02 November 2010 13:37

ህዝባዊ ሽማግለ ተቐማጦ ሎስ ኣንጀለስ ቀዳም 30 ጥቅምቲ 2010 ንኻልኣይ ጊዜ ብምእካብ ኣቦ መንበርን፡ ምኽትልን፡ ዋና ጸሓፍን ከምኡውን ናይ ሓላፊ ሜድያን ሓበሬታን፡ ጉዳያት ፋይናንስን፡ ስርዒታውን፡ መጽናዕተ-ቅዋማውን ጉዳያትን፡ ንኡሳን ሽማግለታትን መሪጹ። ብዘይካ’ዚ ድሕሪ ብዙሕ ክትዓትን ምይይጣትን ሓደ ናይ ስራሕ-መደብ ማኗል (Work-Plan) ነዲፉ ብምስራዕ ንኮሚሽን ኣቕሪቡ። ሓው ሃይለማርያም ተስፋይ ኣቦ መንበር ሃገራዊ ኮምሽን ሰሜን ኣሜሪካ ብዝተገብረሉ ዕድመ መሰረት ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቡ፡ ንዘሎ ሕቶታት ብምብራህን ርእይቶታት ብምውሳኽን ኣብ ምህብታም እቲ ንድፊ ኣገዳሲ ተራ ተጻዊቱ።

Last Updated on Thursday, 04 November 2010 12:51
Read more...
 
ውጽኢት ህዝባዊ ኣኼባ ብጉዳይ ሃገራዊ ጉባኤ PDF Print E-mail
Written by ኣወሃሃዲ ሽማግለ ስቱትጋርትን ከባቢኡን   
Friday, 15 October 2010 09:02

ኣኼበኛ፣ ኮምሽን ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘለዋ ሓላፍነት ዓብን ከቢድን ስለዝኾነ፣ ጽፉፍን ኣድማዕን ስራሓት ክትፍጽም ምእንቲ ንኹለን ፖለቲካውያን ሓይልታት ስቪካውያን ማሕበራትን ወዘተ ዘማእከለ ጉባኤ ከተዳሉ ተላብዩ። ኣብ መደምደምታ በቲ መምርሒ መሰረት ምስ ኮምሽን ጉባኤ እትሰርሕ  ሾውዓተ ዝኣባላታ ሽማግለ ጨንፈር ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ምርጫ ብምክያድ ኣኼባ  ብጽቡቕ ተደምዲሙ።

Last Updated on Friday, 15 October 2010 15:00
Read more...
 
« StartPrev123NextEnd »

Page 3 of 3


Powered by Joomla!.
Warning: call_user_func(tdo) [function.call-user-func]: First argument is expected to be a valid callback in /home2/babey/public_html/templates/themza_j15_41/html/pagination.php on line 153
Valid XHTML and CSS.