ምህርቲ ዋዕላ

موارد الملتقى الوطنية

Home ትግርኛ ዜና ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሳንበርዳንዲኖን ከባቢኣን
ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሳንበርዳንዲኖን ከባቢኣን PDF Print E-mail
Written by ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ ሳንበርናርዲ (ኢንላንድ ኢምፓየር)   
Sunday, 14 November 2010 23:36

ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሳንበርዳንዲኖን ከባቢኣን

ኣብ ከተማ ሳንበርዳንዲኖን ከባቢኣን ሰንበት 7 ሕዳር 2010 ዝተጋበአ ህዝባዊ ኣኼባ ንሃገራዊ ጉባኤ ብውዕዉዕ ክትዓትን ልዙብ ምርድዳእን ተሰላሲሉ። ብኣባል ኮምሽን ዝኾነ ሓው ኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይ መብርህን ድሕረ ባይታ ናይ ኮምሽን ድሕሪ ምቕራቡ፡ መደብ ዕዮን ዕላማን ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝርዝራዊ መብርሂ ኣቕሪቡ። እዚ ዕቱብ ተሳታፍነት ማሕበረሰብን፡ ብማሕበረሰብ ዓለም ዝለዓለ ኣቓልቦን ተቐባልነትን እናረኸበ ዝመጽእ ዘሎ እዋናዊ ህዝባዊ ማዕበል ንሃገራዊ ጉባኤ፡ ምሉእ ዓወት ጨቢጡ ንኽወጽእ ኩሉ ኤርትራዊ፡ ፖለቲካዊ እምነቱን ፍልልያቱን ኣወንዚፉ ተሳታፍነቱ ከዐዝዝ ጸዊዑ።

እቲ ክንዛሕ ዝጸንሐ ጉዳይ ብሄራውን ሃይማኖታውን ሕቶታት፡ መሰረት ዘይብሉ ናይ ፈጠራ ወረ ምንባሩን ኣነጺሩ፡ ብኣንጻሩ እኳደኣ ኤርትራውያን ሓድነቶም ዝያዳ ዘደልደለሉን መጻኢ ዕድል ሃገርን ህዝብን ዘውሓሰ ታሪኻዊ እምነ መሰረት ዘንበረ ምንባሩ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም ነቲ ተኣሚሙ ዘሎ ሃገራዊ ጉዳይ ንምዕዋት ካብኣቶም ዝጥለብ ዘበለ ከማልኡ ምዃኖም ኣረጋጊጾም። ምክብባርን ሕድሕዳዊ ምርድዳእን፡ መባእታዊ ስልጣነ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ስለዝኾነ፡ ነብሲወከፍ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ነብሱ ሰሪዑን ነንሕድሕዱ ተኸባቢሩን፡ ነዚ ታሪኽ ዝጠልቦ ዘሎ ድሕነት ህዝብን ሃገርን፡ መዓልቲ ከቃላጥፍ ለበዉኡ ብምሕላፍ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ብምግባር፡ ዝውክልዎም ሽማግለ መሪጾም ኣኼብኦም ዛዚሞም።

ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ

ሳንበርናርዲ (ኢንላንድ ኢምፓየር)

 


Powered by Joomla!.
Warning: call_user_func(tdo) [function.call-user-func]: First argument is expected to be a valid callback in /home2/babey/public_html/templates/themza_j15_41/html/pagination.php on line 153
Valid XHTML and CSS.