ምህርቲ ዋዕላ

موارد الملتقى الوطنية

Home ትግርኛ ዜና ውጽኢት ህዝባዊ ኣኼባ ብጉዳይ ሃገራዊ ጉባኤ
ውጽኢት ህዝባዊ ኣኼባ ብጉዳይ ሃገራዊ ጉባኤ PDF Print E-mail
Written by ኣወሃሃዲ ሽማግለ ስቱትጋርትን ከባቢኡን   
Friday, 15 October 2010 09:02

ውጽኢት ህዝባዊ ኣኼባ ብጉዳይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ስቱትጋርት

ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ስቱትጋርትን ከባቢኡን በቲ ኣቐዲማ ብኣባላት ኮምሽን ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብጉዳይ ጠቕላላ ውጽኢት ሃገራዊ ዋዕላን፣ ክሳብ ሕጂ ዝተሰላሰሉ ስርሓትንን መጻኢ ግዜ ተታሒዙ ዘሎ መደባት ዕዮታትን ንህዝቢ መግለጺ ክህቡ ስለ ዝኾኑ ኩሉ ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ ደላይ ለውጢ ዝኾነ  ኤርትራዊ ንዕለት 09.10.10 ዓ.ም ኣኼባ ብዓቢ ሃገራዊ ሓላፍነት ንኽሳተፍ ብኽብሪ ዕድመ ጻዋዒት ብዝገበረቶ መሰረት፣ ኩሉ እቲ ብጉጂለ ህ.ደ.ፍ. ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕን ግፍዕታትን ዝከታተል ከምኡውን ዘይሕለል ቃልሲ ዘካይድ ህዝቢ ጸዋዒቱ ኣኽቢሩ ኣብቲ ዝተባህለን ዝተመደበን ቦታ ብሰዓቱ ተረኺቡ።

 

 

ኣኼባኛ ንዝኽሪ ሰማእታት ኤሪትራ ንሓደ ደቒቕ ደው ኢሉ፣ ብድሕሪዚ ኣቦ መንበር ኣወሃሃዲት ሽማግለ ስቱትጋርትን ከባቢኡን ኣቶተስፋይ ተኽለ መኽፈቲ ኣኼባ ምስ ተዋህበ፡ መድረኽ ናባላት ኮምሽን ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተመሕላሊፉ።

 

ኣባላት ኮምሽን ሃገራዊ ጉባኤ ኣቶ ተኽለሰንበት ተኽላይን ወይዘሮ ፍረወይኒ ገ/ጻድቕን ኣብ መድረኽ ቀሪቦም ዓወት ናይቲ ካብ ዕለት 31.07.2010 ዓ.ም ክሳብ 09.08.2010 ዓ.ም ኣብ ኣቃቂ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞ ክራስያዊ ለውጢ ዝተረኽበ ውጽኢት ዓወቱን ንህዝቢ መብርሂ ሂቦም፡ ቀጺሎም ድማ ነቲ ድሕሪ ሓደ ዓመት ክግበር ተታሒዙ ዘሎ ጉዳይ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ መደባትን ኣብ ስራሕ ኣተገባብርኡን ኣብሪሆም። ብተወሳኺ ህዝቢ ብመልክዕ ሽማግለ ሃገራዊ ኮምሽን ጨንፈር ኤሪ ኮም ኣብ ስቱትጋርትን ከባቢኡን ንኸነቕውም፣ ነዚ ተታሒዙ ዘሎ መደብ ንምዕዋት ድማ መምርሒ ስራሕ ኣብሪሆምን ገሊጾምን።

 

ህዝቢ ድማ ኣብቲ ዝነበረ ኣሰራርሓ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ውጺትን ኣተኩሩ ዝተፈላለየ ሕቶታትን ርእይቶታትን ኣቕሪቡ። ኣባላት ኮምሽን ድማ ንዝቐረበሎም ሕቶን ርእይትን ብዝግባእ መልስታ ትን መብርሂታትን ሂቦምሉ፣ ተወሳኺ ወይዘሮ ፍረወይኒ ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ዋዕላ በይነን ኣብ ዝገበርኦ ዝርርብ ውድባዊ ጸግዒ ገዲፍና ኣዴታት ብሙኻን ዓራቕን ሸምጋልን ዝኾነ መርገጺ ክንገብር ከምዘለና ተሰማሚዕና ነርና ንሕና ክንሽምግሎን ግደፉ እንብሎምን ጸገማት ግን ኣይትጋጠመን ክትብል ገሊጻ።  ኣኼበኛ፣ ኮምሽን ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘለዋ ሓላፍነት ዓብን ከቢድን ስለዝኾነ፣ ጽፉፍን ኣድማዕን ስራሓት ክትፍጽም ምእንቲ ንኹለን ፖለቲካውያን ሓይልታት ስቪካውያን ማሕበራትን ወዘተ ዘማእከለ ጉባኤ ከተዳሉ ተላብዩ። ኣብ መደምደምታ በቲ መምርሒ መሰረት ምስ ኮምሽን ጉባኤ እትሰርሕ  ሾውዓተ ዝኣባላታ ሽማግለ ጨንፈር ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ምርጫ ብምክያድ ኣኼባ  ብጽቡቕ ተደምዲሙ።

 

ኣወሃሃዲ ሽማግለ

ስቱትጋርትን ከባቢኡን 

14.10.2010 ዓ.ም

Last Updated on Friday, 15 October 2010 15:00
 


Powered by Joomla!.
Warning: call_user_func(tdo) [function.call-user-func]: First argument is expected to be a valid callback in /home2/babey/public_html/templates/themza_j15_41/html/pagination.php on line 153
Valid XHTML and CSS.