ምህርቲ ዋዕላ

موارد الملتقى الوطنية

Home ትግርኛ ዜና ዕውት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ህዩስትን
ዕውት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ህዩስትን PDF Print E-mail
Written by ንኡስ ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ - ከተማ ህዩስትን /ተክሳስ   
Friday, 03 December 2010 11:57

 

 ዕውት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ህዩስትን 

 

 

ኣብ ከተማ ህዩስትን ቀዳም 21 ሕዳር 2010 ዋዕላን መጻኢ ሃገራዊ ጉባኤን ብዘርኢ ጉዳያት ህዝባዊ ኣኼባ ተካይዱ። ኣብዚ ንህዝቢ ኤርትራ ንምብጻሕ ብዘካየድ ዘሎ ጻዕሪ ኤርትራዊ  ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣባል ኮሚሽን ሓው ኣቶ ሃይለማሪያም ተስፋይ ነቲ ኣብ ህዩስትንን ከባብን ዝርከብ ህዝብና ኣገዳሲ ኣኼባ ኣካይዱ።  

  

ዛዕባ ናይ’ቲ ኣኼባ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝተኻየደ ዋዓላን ውጽኢቱን ዕማማት ኮሚሽንን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ። ኣቶ ሃይለማሪያም ተስፋይ ኣባል ሃገራዊት ኮሚሽን ኣብ ዘካየዶ ረከብ ተሳታፈነት ኣካላት ሕብረትስብና ብመንእሰያቱን ደቂ ኣንስቲዮን መደንፍዒ ኣብዚ ደሞክራስያዊ ቃልሲ አገዳሲ ምኻኑ ብጥብቂ ገሊጹ።ተመኩሮ ዋዕላ ካብቶም ኣብቲ ዋዕላ ዚነበሩ ኣባላት ውን ተዘንቲዩ።ደሕሪ እኹል ግላጻን ሓበረታን፡ ኣኽበኛ ኣብ ሕቶን መልስን ትመሓላሊፉ: ካብ ሓተቲ ገለ ሰዓብቲ ህግደፍ ነበሩ: መሰሎም ከም ደቂ ሃገር መጠን ተሓሊዩ ሕቶም ሓቲቶምን ርኢቶኦም ሒቦም፡ ዝግባእ መልሲ ውን ተዋሂቡ፡፡

 

ብተውሳኺ ውን ገለ ኣካላት ተሳተፍቲ ኣብ ልዕሊ ዋዕላ ዘለዎም ዕቃበታት ገለጹ፡ ብመጠን ሕቶን ርኢቶን ካኣ ኣቶ ሃይለማሪያም ተስፋይ ዘዕግብ መልስን ሓበረታን ክውፊ ካኢኡ። እብ መደምደምታ ረከብና መራሕቲ ኣኸባ ንተሳተፍቲ ኣብ ቃልሲ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ንኸሳተፉ ዕድመ ኣማሓላሊፎም: ገለ ኣባላት ወን ስሞም ብምምዝጋብ ግዕዞ ቃልሲ ከተማ ህዩስቶን ተበጊሱ።

 

እዚ ህዝባዊ ኣኼባ ስዓት 4.00 ድሕሪ ቀትሪ ዝጀመረ መሸት ስዓት 8፡00 ተዛዘመ።

ንኡስ ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ

ከተማ ህዩስትን /ተክሳስ 

Last Updated on Thursday, 13 January 2011 13:58
 


Powered by Joomla!.
Warning: call_user_func(tdo) [function.call-user-func]: First argument is expected to be a valid callback in /home2/babey/public_html/templates/themza_j15_41/html/pagination.php on line 153
Valid XHTML and CSS.