ምህርቲ ዋዕላ

موارد الملتقى الوطنية

Home ትግርኛ ዜና ኣብ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና ኣኼባ ተኻይዱ ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ ከኣ ተመሪጻ
ኣብ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና ኣኼባ ተኻይዱ ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ ከኣ ተመሪጻ PDF Print E-mail
Written by ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ ኢንድያናፖሊስ፡ ኢንድያና   
Thursday, 02 December 2010 21:57

ኣብ  ኢንድያናፖሊስ  ኢንድያና ኣኼባ ተኻይዱ ህዝባዊ  ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ ከኣ ተመሪጻ

ከተማ ኢንድያናፖሊስ ሓንቲ ካብተን ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላን ዝመጽእ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤን ኣኼባታት ዝተኻየደለን ከተማታት ናይ ኣሜሪካ ኢያ። እዚ ቀዳም 27 ጥቅምቲ 2010 ዝተገበረ ኣኼባ’ዚ፡ ኮምሽነር ኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይ ኣብ መንጎና ተረኺቡ: እቲ ካብ 31 ሓምለ-9 ነሓሰ 2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላን ብውጽኢቱ ዝተመርጸት ኮሚሽንን ከኣ ንምንታይ ነጻ ኮይና ከምዝቖመትን፡ እንታይ ዕማማት ከኣ ከተተግብር ምዃናን ብዘርኢ ጉዳይ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ።

ቀጺሉ ኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይ፡ እዛ ኮምሽን’ዚኣ ስራሓ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኤርትራውን እናጎስጕሰትን ንሰፍሕ ህዝቢ ኤርትራ ኣሳታፊ ዝኾነ ስርርዕ እናኣካየደትን ሃገራዊ ጉባኤ ብዝምልከት ኣርእስታት ኣስተምህሮን ክትዓትን ዝካየደሉ መኣዲታት ዘተ ከሳልጥ ምዃና ገሊጹ። እዚ ዓውደ ትምህርታት ኣዚ ብወሓለታት ናይ ሕጊ ምሁራትን ብናይ ፖለቲካን ቁጠባን ካልእ ዓውደ ትምህርትን ኣፍልጦ ብዘለዎም ዜጋታት እናተማእከለ፡ ንሃገራዊ ጉባኤ ዘድሊ ምድላዋት ክትገብር ምዃናን፡ ኣሰራርሓኣ ድማ ነጻን ግሉጽን ንጹርን ብዝኾነ ኣገባብ ህዝብና ሐሳባቱ ገሊጹ ቅሬታኡ ዘስመዓሉ ክፉት መድረኽ ምዃኑን’ውን  ኣብርሀ።

ብድሕሪኡ ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ዝተረኽቡ ዋዕለኛታት ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዶር. መንታይ መስመርን፡ ኣቶ ሃይለ ገብረትንሳኤን፡ ወ/ሮ ህይወት ገብረሚካኤልን ተወሳኺ ሓበሬታት ብምሃብ ነቲ ኣኼባ ኣሀብቲሞሞ። ኣብ’ዚ ልዕሊ ኣርባዕተ ሰዓታት ዝወደአ መግለጽን ክትዓትን፡ ካብ ከተማታት ሲንሲናቲን ሰይንትልውስን መጺኦም ንዝተካፈሉ ኤርትራውያን ኣብ ዘዘለውዎ ዓዲ ወከልቲ ናይ ኮምሽን ሽማግለታት መሪጾም ጎሳጓስ ከካይዱ መምርሒ ተዋሂቡ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ካብ ኢንዲያናፖሊስ 12 ዝኣባላታ ሃገራዊት ሽማግለ ንጉባኤ ተመርጸት። ነዚ ቅዱስ ዕላማ’ዚ ኣብ ህዝቢ ነጢፋ ንኽትሰርሕ ተመባጺዓ ከኣ ኣኼባ ብዓወት ተደምደመ።

 

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!

 

ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ ኢንድያናፖሊስ፡ ኢንድያና

 


Powered by Joomla!.
Warning: call_user_func(tdo) [function.call-user-func]: First argument is expected to be a valid callback in /home2/babey/public_html/templates/themza_j15_41/html/pagination.php on line 153
Valid XHTML and CSS.