ምህርቲ ዋዕላ

موارد الملتقى الوطنية

ጸብጻብ ህዝባዊ ኣኼባ ከተማ ኣትላንታ PDF Print E-mail
Written by ኣባል ኮሚሽን ሃገራዊ ዋዕላ - ሰ. ኣሜሪካ   
Thursday, 13 January 2011 17:20

ብዕለት 8 ጥሪ 2011 ብኣቶ ተኽላይ ኣብርሃ፡ ኣባል ኮሚሽን ሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝተመርሐ ኣኼባ ኣብ ኣትላንታ ተኻይዱ። ኣቶ ቴድሮስ ኢስቲፋኖስ፡ ንኣቶ ተኽላይ ምስ ኣኼበኛ ድሕሪ ምልላይ፡ ከምቲ ልሙድ፡ ኣኼባ ብዝክረ ሰማእታት ተኸፊቱ።  መጀመርያ ኣቶ ተኽላይ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋብአ ዋዕላ ከመይ ይመስል ከምዝነበረ ኪገልጽ እንከሎ፡ ኣብቲ መጀመርያ ዘጋጠሙ ሽግራት ፈቲሑ ኣብ መወዳእታ ግን ብዓወት ከምዝወጸ ሓቢሩ።

 

Read more...
 
ዕውት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ህዩስትን PDF Print E-mail
Written by ንኡስ ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ - ከተማ ህዩስትን /ተክሳስ   
Friday, 03 December 2010 11:57

ኣብ ከተማ ህዩስትን ቀዳም 21 ሕዳር 2010 ዋዕላን መጻኢ ሃገራዊ ጉባኤን ብዘርኢ ጉዳያት ህዝባዊ ኣኼባ ተካይዱ። ኣብዚ ንህዝቢ ኤርትራ ንምብጻሕ ብዘካየድ ዘሎ ጻዕሪ ኤርትራዊ  ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣባል ኮሚሽን ሓው ኣቶ ሃይለማሪያም ተስፋይ ነቲ ኣብ ህዩስትንን ከባብን ዝርከብ ህዝብና ኣገዳሲ ኣኼባ ኣካይዱ።

Last Updated on Thursday, 13 January 2011 13:58
Read more...
 
ጸብጻብ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ደንቨር፣ ኣሜሪካ PDF Print E-mail
Written by ሽማግለ ህዝቢ - ዴንቨር ኮሎራዶ   
Thursday, 02 December 2010 22:12

ድሕሪ’ቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 31-ነሓሰ 9, 2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘሰከሞ ሓላፍነት መሰረት ሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞክራስያዊ ዋዕላ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ህዝባዊ ኣኼባታት ከካይድን ህዝባዊ ሽማግለታት ከቕውምን ጸኒሑን ኣሎን። ከም ኩለን ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ከተማና ደንቨር ኮሎራዶ ብዕለት 28 ሕዳር 2010 ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ብኣቦ-መንበር ሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ጨንፈር ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይ ተኻይዱ። እዚ ብሃገራውያን ብጾት ኣባላት ውድባትን ስቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ዜጋታትን ዝተዳለወ ብብዝሒ መንእሰያት ዝተኻፈልዎ ህዝባዊ ኣኼባ ኢዩ ኔሩ።

Last Updated on Thursday, 02 December 2010 22:41
Read more...
 
ኣብ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና ኣኼባ ተኻይዱ ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ ከኣ ተመሪጻ PDF Print E-mail
Written by ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ ኢንድያናፖሊስ፡ ኢንድያና   
Thursday, 02 December 2010 21:57

ከተማ ኢንድያናፖሊስ ሓንቲ ካብተን ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላን ዝመጽእ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤን ኣኼባታት ዝተኻየደለን ከተማታት ናይ ኣሜሪካ ኢያ። እዚ ቀዳም 27 ጥቅምቲ 2010 ዝተገበረ ኣኼባ’ዚ፡ ኮምሽነር ኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይ ኣብ መንጎና ተረኺቡ: እቲ ካብ 31 ሓምለ-9 ነሓሰ 2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላን ብውጽኢቱ ዝተመርጸት ኮሚሽንን ከኣ ንምንታይ ነጻ ኮይና ከምዝቖመትን፡ እንታይ ዕማማት ከኣ ከተተግብር ምዃናን ብዘርኢ ጉዳይ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ።

Read more...
 
ዕውት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ PDF Print E-mail
Written by ሽህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ - ከተማ ኒው-ዮርክ   
Thursday, 02 December 2010 20:08

ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ ቀዳም 14 ሕዳር 2010 ዋዕላን መጻኢ ሃገራዊ ጉባኤን ብዘርኢ ጉዳያት ህዝባዊ ኣኼባ ተካይዱ። ኣባላት ኮሚሽን ኣሕዋት ተኽላይ ኣብራሃን ዳንኤል ተወልደን ነቲ ኣብ ኒው-ዮርክን ከባብን ዝርከብ ህዝብና ኣገዳሲ ኣኼባ ኣካይዶም። ዛዕባ ናይ’ቲ ኣኼባ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ ውጽኢቱን ዕማማት ኮሚሽንን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።

Read more...
 
« StartPrev123NextEnd »

Page 1 of 3


Powered by Joomla!.
Warning: call_user_func(tdo) [function.call-user-func]: First argument is expected to be a valid callback in /home2/babey/public_html/templates/themza_j15_41/html/pagination.php on line 153
Valid XHTML and CSS.